ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርዌይ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኖርዌይ ኤስፒን ቤርዝ ተዛቲዮም፡፡
ጌዲዮን (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያን ኖርዌይን ክተሓባበራሎም ዝኽእላሎም ብዙሓት ዓውዲታት ከምዘለዉ ገሊፆም።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኖርዌይን ኩለመዳይ ምትሕብባር ክህሉ ከምዝግባእ ብምግላፅ÷ ርክበን ጥንኩር ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ሓለዋ ከባቢን ክሰፍሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኤስፒን ቤርዝ ብግደኦም÷ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድል ክጥቀሙ ከምዝደልዩ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ኣሰናዳኢት ሃገር ኮፕ32 ብምዃና ሃገሮም ኣድላዪ ሓገዝ ከምትገብር ምርግጋፆም እውን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልምዓት ኖርዌይ፣ ምስ ሚኒስትር ክሌማዊ ለውጢ ኣየርን ከባቢን፣ ምስ ዋና ዳይሬክተር ኢንቨስትመንት ፈንድ፣ ምስ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓትን ሰብ ሃፍቲን ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዓውዲታት ተዛቲዮም።