ፀወታ የፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ ሎሚ መዓልቲ ፍፃመኡ ረኺቡ።
ሻምፒዮን እቲ ሊፍ ሲዳማ ቡና ምስ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ዘራኸበ ናይ መወዳእታ መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ፤ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ተኻይዱ።
ኣብቲ ፀወታ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ኣቤል ሃብታሙ ብዘመዝገባ ሸቶ ፍፁም ቅላዕ ንሲዳማ ቡና ክትስዕር ክኢላ።
ኣቐዲማ ሻምፒዮን ከምዝኾነት ዘረጋገፀት ሲዳማ ቡና ሎሚ መዓልቲ ፅዋዕ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2018 ዓ.ም ተረኪባ።