Fana: At a Speed of Life!

ፋና ላምሮት ምዕራፍ 23 ፅባሕ ቀዳም ክቕፅል እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም. (ኤፍ ኤም ሲ)ተወዳደርቲ መበል 23 ምዕራፍ ፋና ላምሮት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ውድድር ክወዳደሩ ፀኒሖም እዮም።

ተወዳደርቲ ፅባሕ ቀዳም ብበረፃ ዳያኑ ዝወሃቦም ሙዚቃ ዝወዳደሩ እንትኾኑ፤ ምስ ዛየን ባንድ ብምዃን ብክልተ ዙር ስራሕቶም ከቕርቡ እዮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ምዕራፍ ዝበፅሑ 4 ተወዳደርቲ ሽልማት 1 ሚልዮን ብር ክረኽቡ እዮም።

ናብ ፍፃመ ዝሓልፉ 4 ተወዳደርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ሻድሻይ ውድድር “ጎብለላት” ብቐጥታ ክሓልፉ እዮም።

ፋና ላምሮት ፅባሕ ቀዳም ካብ ሰዓት 6፡00 ጀሚሩ ብፋና ቴሌቪዥን፣ ፋና ፕላስን ዲጂታል ኣማራፂታትን ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.