Fana: At a Speed of Life!

ፍረ “መደመር”ልምዓት ኮሪደር፥ ካብ ከተማ ክሳብ ገፀር

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዋና ዋና ከተማታትን ኣብ ገጠራዊ ከባቢታትን ተግባራዊ ዝኾን ዘሎ ናይ ኮሪደር ልምዓት፣ ደረጃ መነባብሮን መስርሕን ዜጋታት ብምምሕያሽ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ ህይወትን ከባቢን ሰፊሕ ለውጢ ዘምፅአ ዓቢ ሃገራዊ ፍረ ሪፎርም እዩ።
እዚ ስትራቴጂ ልምዓት ኣምር “መደመር” ካብ ፅባቐን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ሓሊፉ ክብሪ ዜጋታትን ዕለታዊ ህይወቶምን ብምምሕያሽ ብዙሕ ጭቡጥ ረብሓታት ኣምፂኡ እዩ።
ክብርታት ሕሉፍ ፅቡቕ ብምሕላው፣ ሎሚ ብምምሕያሽን መፃኢ ብርሃን ብምርኣይን ሃገራዊ ምዕባለ ምርግጋፅ ቀንዲ መሰረት ፍልስፍና መደመር እዩ።
ካብ’ዚ ኣምር ዝተወልደ ኮሪደር ልምዓት ኣብ መንጎ ከተማን ገፀርን ዘሎ ናይ ልምዓት ፍልልይ ብምፅጋን መነባብሮ ዜጋታት ዘበረኸ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ዓቢ ፕሮጀክት ኣብ ዋና ዋና ከተማታት ተጀሚሩ ሐዚ ክሳብ ገፀራት ብምብፃሕ ጭቡጥ ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ።
ኮሪደር ልምዓት ከተማ ክንርኢ ከለና፥ ንተሽከርከርቲ ጥራይ ዘይኮነስ ሰፊሕ መገዲ ንእግረኛታት፣ መስመር ብሽክለታን ንኣካል ጉድኣት ዝምችእ መገድታትን ብምህናፅ ሰብ ማእከል ዝገበረ መሰረተ ልምዓት ምዃኑ የርኢ።
ዘመናዊን ሓደ ዓይነት ዝኾኑን ናይ ጎደና መብራህቲታት ብምትካል፣ ከተማታት ለይቲ’ውን ክደምቃን ንግዳዊ ንጥፈታተን ብንቕሓት ክቕፅላን ኣኽኢሉወን።
ከም ሸየጥቲ መጻሕፍትን ጋዜጣታትን፣ መወልወሊ ሳእኒ ዝሰርሑን ንኣሽቱ ነጋዶን፣ ካብ ሓመድን ፀሓይን ተኸሊሎም ዝሰርሑለን ፅቡቓት ኪዮስክታት ተሰሪሐን። ብተወሳኺ ደረጃአን ዝሓለዋ ህዝባዊ ሽቓቕን መሕፀቢ ክፍልታትን ተሃኒፀን ኣለዋ።
ነበርቲ ብዘይ ክፍሊት ዝዘናግዑለንን ዘንብቡለንን ሓምለዋይ ፓርክታት፣ ናይ ማይ መዘናግዒታትን ንህፃናትን መንእሰይን ዝምችኡ ናይ ስፖርት ሜዳታትን ብሰፊሑ ተሃኒፆም።
ፍልስፍና መደመር ኣብ ከተማ ጥራይ ኣይውሰንን። ኣብ መንጎ ከተማን ገፀርን ዘሎ ፍልልይ መነባብሮ ንምፅባብ ይሰርሕ። ናይ ኮሪደር ልምዓት ብፍትሓዊ መንገዲ ናብ ገፀር ብምዝርጋሕ፣ ፅባቐ መንደራት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ክቕየር ጀሚሩ እዩ።
ስለዚ ኣብ ገፀራዊ ክፍልታት እዛ ሃገር ኣብነታዊ (ሞዴል) መንደራት ይህነፁ ኣለዉ። እዚኣቶም ኣብነታዊ መንደራት ኣካል ናይቲ ብቕልጡፍ ዝካየድ ዘሎ ስትራቴጂ ለውጢ ገፀር ኢትዮጵያ እዮም።
ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተሃነፁ ንኣብነት ሞዴል መንደር ሓማሳ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ሞዴል መንደር ሾምባ ኪጭብ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ሞዴል መንደር ዋራበት ጫማ ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ተሃኒፆም ንነበርቲ ቀጥታ ረብሓ ኣምፂኦም ኣለዉ።
እዞም መንደራት ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ካብቲ ዘይተወደበን ተበታቲኑ ዝነብሩሉ ባህላዊ ኣነባብራን ብምውፃእ፣ መሰረተ ልምዓት ናብ ዝተማልአሎም ዘመናዊ፣ ፅሩይን ፍሪያት ዘምፅእን ሓባራዊ መንደራት ብምእካብ ዝተረኽበ ፍረ ፍልስፍና መደመር እዮም።
ብናይ ገፀር ኮሪደር ልምዓት ህይወት ሓረስቶት ብቐፃሊ ይዝምን ኣሎ። ሓረስቶት ተጠቀምቲ ቴክኖሎጂ ዝኾኑሉ፣ መዕቆቢ እንስሳት፣ ባዮጋዝ፣ ቀፎ ንህቢ፣ ፅሩይ ዝስተ ማይን ዘመናዊ መሕፀቢ ክፍልታትን ዝተማልኡ ሓደስቲ መንበሪ ኣባይቲ ተሃኒፆምሎም።
ኮሪደር ልምዓት ኣብ መንጎ ከተማን ገፀርን ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ርክብ የጠናኽር ኣሎ።
ካብ ገጠር ክሳብ ከተማ ዝተዘርግሑ ናይ ኮሪደር መንገድታት፣ ሓረስቶት ምህርቶም ብቕልጡፍን ብዝተሓተ ወፃኢን ናብ ከተማዊ ዕዳጋ ንኽበፅሕ ምቹእን ቅልጡፍን ናይ ዕዳጋ ርክብ ፈጢሮም።
ኣብ ከተማታትን ኣብ ገፀራዊ ከባቢታትን ዝተኻየዱ ናይ ኮሪደር ልምዓታት፥ ልምዓት ወሰን ወሓዝቲ ሩባታት ሓምለዋይ ቦታታትን፣ ውሽጣዊን ወፃኢን ቱሪዝም ኣዝዩ ክውስኽ ኣኽኢሉ።
ብሓፈሻ ልምዓት ኮሪደር፥ ከተማታትን መንደራት ገፀርን እናተኣሳሰረ ክብሪ ሰብ፣ ጥዕናን ሓፈሻዊ ምዕባለን ኣብ ምርግጋፅ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.