ፕሬዚዳንት ታዬ ምስ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ኢኮኖሚን ማሕበራውን ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ተዛትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ኢኮኖሚን ማሕበራውን ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ሊ ጁን ሁዋን ተዛትዮም፡፡
ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምትግባር ንምቅልጣፍን ዘጋጠሙ ብድሆታት ብሓባር ንምፍታሕን ኣብ ዝሕግዙ መንገድታት ዘትዮም።
ድሕሪ 2030 ዓ.ም.ፈ ዓለም ልምዓት ኣጀንዳ ብምቕራፅ ዘለዋ ድምፂ ኣፍሪካ ንምሕያል ካልእ ኣብቲ ዘተ ዝተለዓለ ኣጀንዳ እዩ።