Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2022

መበል 1443 በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ብሰላም ምዝዛሙ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1443 በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ብሰላም ምዝዛሙ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ፌዴራል ንህዝቢ ኣብ ጎኑ ብምስላፍን ምስ ካልኦት ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ብምውዳድን እቲ በዓል ክሳብ ዝዛዘም ብብቕዓት…

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ብዘላቕነት ንምክልኻል ኣብ ህንፀት ትካላት ጠሚቱ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) መንግስቲ፥ ጉጅለታት ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፀምዎም መጥቃዕቲታት ብዘላቕነት ንምክልኻል ኣብ ህንፀት ትካላት ጠሚቱ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ። ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ ሚኒስትር መንግስቲ ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት…

ኤሎን መስክ ትዊተር ንምዕዳግ ዝኣተዎ ውዕል ከምዘቋረፆ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃብታም ዓለም ኤሎን መስክ ኣብ ናይ ትዊተር ዕድጊት ውዕሊ ዝተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ስለዘይተኸበሩ ንትዊተር ብ44 ቢልየን ዶላር ንምግዛእ ኣትይዎ ካብ ዝነበረ ውዕሊ ንገዛእ ርእሱ ከምዘንሳሕበ ተገሊፁ። ኤሎን መስክ 273 ነጥቢ 6 ቢልየን ዶላር…

ጥሕሰት መምርሒ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀማ 96 ካምፓሳት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥሕሰት መምርሒ ኣብ ልዕሊ ዝፈፀማ 96 ካምፓሳት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ስጉምቲ መአረምታ ከምዝተወሰደ በዓል መዚ ትምህርቲን ስልጠናን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። እተን ትካላት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝርከባ ከምዝኾና ብምግላፅ፥ ኣብ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ምርመራ ላቦራቶሪ ፎረንሲክ ዲኤን ኤ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ምርመራ ላቦራቶሪ ፎረንሲክ ዲኤን ኤ ተመሪቑ። እቲ ላቦራቶሪ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብ ሆስፒታል ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ናብ ስራሕ ዘእትዎ ብርኪ ምብፅሑ…

ከባቢና መሕብኢ ግብረ ራዕዲታት ንከይኸውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክንስለፍ ኢና ክብሉ ነበርቲ ከተማ ሃሮሰባ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከባቢና መሕብኢ ግብረ ራዕዲታት ንከይኸውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክንስለፍ ኢና ክብሉ ነበርቲ ዞባ ቀሌም ወለካ ከተማ ሃሮሰባ ተዛሪቦም። እቶም ነበርቲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ብምጥማት ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተዛቲዮም።…

ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልኣድሃ እንተኽብር ብምትሕብባርን ምድግጋፍን ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልኣድሃ እንተኽብር ብምትሕብባርን ምድግጋፍን ክኸውን ከምዝግባእ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም። መበል 1 ሽሕን 443 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ትራንስፖርት ንፍታሕ ፐብሊክ ኣውቶብስ ብጊዚያዊነት ናብ ናይ ትራንስፖርት ስራሕቲ ዝኣትዋሉ ኣማራፂ ንምጥቃም ስምምዕነት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዳግማዊት ሞገስን ኣብ ክሊ ፀገማት ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ብምድሃብ ተዛቲየን። ኣብ ዘተአን፥ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ተወከልቲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን እቲ ሚኒቴርን…

መበል 1443 ስነ ስርዓት ሶላት በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ብሰላም ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1443 ስነ ስርዓት ሶላት በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ብሰላም ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ሕብረተሰብን ሰዓብቲ እቲ እምነትን ወለንታዊያን ብምትሕብባር ብዝተሰርሐ ስራሕ እቲ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዝተፈፀመ ስነ ስርዓት…

መበል 1 ሽሕን 443 በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ዓረፋ ኣብ መላእ እዛ ሃገር  ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መበል 1 ሽሕን 443 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ይኽበር ኣሎ። እቲ በዓል ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኢዩ ዝኽበር ዘሎ። ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ…