Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2024

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ልዕሊ 21 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2016 ብዝተፈላዩ ዓውዲታት ልዕሊ 21 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ስነ-ስርዓት መኽፈቲ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ…

ኣብ ትግራይ ብብርኪ ክልል ስልጠና ልምዓት መስኖ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ክልላዊ ስልጠና ልምዓት መስኖ  ኣብ ኣዳራሽ ቅድስት ማርያም ውቕሮ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ሰብ ሞያ ሕርሻ ዝሳተፍሉ ስልጠና፥ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ መዓልትታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ። ካብ ሰለስተ ዞባታት ምብራቕ፣ ድቡብ ምብራቕን…

ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ክስራሕ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ከምዝስራሕ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። ስነ-ስርዓት መኽፈቲ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ይካየድ ኣሎ፡፡…

መንግስቲ ኣብ ፈታኒ እዋን ብምዃን ተኸታታሊነት ዘለዎ ምዕባለ ኣመዝጊቡ ኢዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) መንግስቲ ኣብ ፈታኒ እዋን ብምዃን ተኸታታሊነት ዘለዎ ምዕባለ ኣመዝጊቡ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክልቲአን ኣብያተምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓቐበን…

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ብምዃን ተሰይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት መኽፈቲ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ መኽፈቲ ክልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ብኣብዝሓ ድምፂ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ብምዃን…

 ኣብ ዓዲግራት ብ1 ቢሊየን ብር ህንፀት መሰረተ ልምዓት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብ1 ቢሊየን ብር ህንፀት መሰረተ ልምዓት ከምዝሳለጥ ጊዚያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ከንቲባ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሙን ሓጎስ፥ ኣብታ ከተማ ዝረኣዩ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝሕግዙ መሰረተ…

ሓደሽቲ ዝተመረፁ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቃለ-ማሕላ ፈፂሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 6ይ ዙር ዝተረፈን ዳግማይን መረፃ ዝተዓወቱ ሓደሽቲ ዝተመረፁ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብቲ ባይቶ ተረኺቦም ቃለ-ማሕላ ፈፂሞም። እቶም ኣባላት ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ዓፋር፣ ሶማሌን ማእኸላይ ኢትዮጵያን 16 ሰነ 2016 ዓ.ም…

በዓል ገዳም ደብረ ዳሞ ብድምቀት ንምኽባር አሰናዳኢት ኮሚቴ ተጣይሹ እናተሰርሐ ምዃኑ ምምሕዳር ወረዳ ጉሎመኸዳ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በቢዓመቱ 14 ጥቅምቲ ዝኽበር በዓል ገዳም ደብረ ዳሞ ብድምቀት ንምኽባር ኮሚቴ ፀጥታ፣ ሎጂስቲክስን ምልዕዓልን ኣብ ሰለስተ ዓብዪ መሰናደዊ ኮሚቴ ተጣይሹ ይስራሕ ከምዘሎ ምምሕዳር ወረዳ ጉሎመኸዳ ሓቢሩ። እቲ ምምሕዳር ኣብ ኩለመዳይ ኣከባብራ እቲ…

መገዲ ኣየር ፍሮንቲየር ኣብ ምዕላብ እናሃለወት ብሓዊ ናይ ዝተተሓሓዘት ኣውሮፕላን መበገሲ ምኽንያት እናፃረየ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብረትነ ናይ መገዲ ኣየር ፍሮንቲየር ዝኾነት ኣውሮፕላን ቀዳም ምሸት ካብ ሳንዲያጎ ናብ ላስቬጋስ እናበረረት ኣብ ምዕላብ እናሃለወት ብሓዊ ዝተተሓሓዘትሉ መበገሲ ምኽንያት እናፃረየ ከምዝኾነ ተገሊፁ። 190 መገደኛታትን ሸውዓተ ኣባላት በረራን ሒዛ…

ሃገራዊ ጋንታታት ኢትዮጵያን ዑጋንዳን ሎሚ መዓልቲ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ መዓልቲ ምስ ኡጋንዳ ክትፃወት ኢያ፡፡ ምድላው እናገበረት ዝፀንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊን ትማሊን ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ…