Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

March 2025

ስራሕቲ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ኢፈ ቦሩ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ክልል ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላላያ ክልላት 2ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኢፈ ቦሩ ብምህናፅ ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻርን ሓበራዊነት ንምርግጋፅን እተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡ ሓላፊ እቲ ቢሮ ቶላ በሪሶ (ዶ/ር)…

ሓደ ሰብ መዓልታዊ ብማእኸላይ ክንደይ ዝኣክል ማይ ክሰቲ ኣለዎ?

አዲኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስታይ ፅሩይ ማይ ኣብ ውሽጢ ኣካላትና እኹል ዝኾነ ፈሳሲ ክህሊ ብምግባር  ብመልክዕ ምስትንፋስ፣ ረሃፅን  ዓይኒ-ምድሪን ኣቢሉ ርስሓት ካብ ውሽጣዊ ክፋል ሰውነትና ንክውገድ ከምዝሕግዝ መፅናዕቲታት ዓውደ ጥዕና ይሕብሩ። ማይ ህይወት ንዘለዎም…

ዝኽሪ ሓወልቲ ተጎዳእቲ ሓደጋ ቁፅሪ በረራ ቁጥር ET-302 መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ ስርዓት ምረቓ 6ይ ዓመት ዝኽሪ ሓወልቲ ተጎዳእቲ ሓደጋ ቁፅሪ በረራ ቁጥር ET-302 መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተኻይዱ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁፅሪ በረራ ET-302÷ 1 መጋቢት 2011 ዓ.ም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ንምብራር…

ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝቃወምን ንሰላማዊ ኣማራፂ ዝድግፍን ህዝባዊ ሰልፊን ኮንፈረንስ ሰላምን ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ ህዝባዊ ሰልፊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ነበርቲ እቲ ከባቢን ከምዝተሳተፉ ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡…

ናይ ሐዚ ትውልዲ ብኽእለትና ጥራሕ ንኢትዮጵያ ምህናፅ ንኽእል ኢና-ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ሐዚ ትውልዲ መስዋእትነት ህይወት ምኽፋል እንተይኣድለየ ብኽእለትና ጥራሕ ንኢትዮጵያ ምህናፅ ንኽእል ኢና ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፋሪያት ካሚል ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ብትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝተሰናድአ “ክእለት ንኢትዮጵያ” ዓውደ…

ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 32 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ማይናማር ተዓጊቶም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 32 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝሓበሮ÷ ኣብ ህንዲ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ናብ ታይላንድ ካብ ሞንጎ ዝተሳገሩ 133 ኢትዮጵያዊያን እቶም…

ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሕቶታቱ ንኸቕርብ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረተሰብ ኣብ ጉዳያት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ኢኮኖሚን ኣብ ኣፍረይቲ ዓውዲታትን ሕቶታትን መብርሂን ዝደሊዩ ጉዳያት ንኸቕርብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡ ብመሰረት እዚ ሕብረተሰብ ክሳብ ፅባሕ ብማሕበራዊ ሚዲያታት ቤት ፅሕፈት…

ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ከተማ ኣብ ቀፃሊ ሰለስተ ዓመታት በቢዓመቱ 15 ቢሊየን ብር ተሰሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ከተማ ኣብ ቀፃሊ ሰለስተ ዓመታት በቢዓመቱ 15 ቢሊየን ብር ከምዝተመደበ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን፡፡ ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ከተማታት ስግግር ተረባሕነትን መርሃ ግብሪ ምጅማርን ኣብ ከተማ ጅማ ይሳለጥ…

ኣብ ወርሒ መጋቢት ስራሕቲ ወፍሪ ልገሳ ደም ከምዝውገን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መጋቢት ወርሂ ልገሳ ደም ብምግባር ስራሕቲ ጎስጓስ ከምዝካየድ ኣገልግሎት ባንኪ ደምን ህብረ ህዋስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኣገልግሎት ካብ ወለንታውያን ደምን ህብረ-ህዋስን ብምትእኽኻብን ድሕንነቱ ብምርግጋፅ ንተጠቀምቲ እናመሓላለፈ ከምዝኾነ…

ህዝቢ ስትራቴጂታት ልምዓት ንምዕዋት ዝገብሮ ተሳትፎ ከጠናኽር ይግባእ-ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ስትራቴጂታት ልምዓት ንምዕዋት ዝገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳ መርቲ ምስ ዝነብሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዘቲዮም። ኣብቲ…