ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዘይምቁራፅ ብምትግባር ኣብነት ኮይና ኣላ-ገመዶ ዳሌ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዘይምቁራፅ ብምትግባር ኣብነት ምዃና ክብሉ ሓጋዚ ፕሮፌሰር እፅዋት ቴክኖሎጂን በዝሃ ህይወትን ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ገመዶ ዳሌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝተተግበሩ መርሃ ግብሪታት ተኸላ ፈልሲ ሃፍቲ በዝሃ ህይወት ብልዑል በርኪ ንክውስኽ ምኽኣሉ እውን ተዛሪቦም።
ዓቕሚ ምሓዝ ማይ ከርሰ ምድሪ ንክውስኽ ኢሉ’ውን ለውጢ ክሊማ ዘስዕብ ውሑጅ፣ ደርቀን ተመሳሰልቲ ሓደጋታትን ምፅዋር ምኽኣሉ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ሓምለዋይ ኣሰር ሓዊሱ ይካየዱ ዘለዉ መርሃ ግብሪታትን ፕሮጀክትታትን ነህዝቢ ልዑል ረብሓ ጥዕና ከምዝሃብዎ ገሊፆም።
ኢኮኖሚያዊ ረብሕኦም እውን ልዑል ኢዩ ኢሎም።
ብኣቤል ንዋይ