Fana: At a Speed of Life!

ኲናት ብውሑድ ክሳራ ብዓወት ዝዋፃእ ሰራዊት ይህነፅ ኣሎ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኲናት እንተይተዋገአ ብርሑቑ ዘትርፍን ብውሑድ ክሳራ ብዓወት ዝዋፃእን ሰራዊት ይህነፅ ኣሎ ኢሎም፡፡

ዋር ኮሌጅ ምክልኻል ብስሩዕ ኮርስ ዘሰልጠኖም ላዕለዎት መኮንናት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓዊሱ ላዕለዎት ወታደራዊ መኮንናት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣመሪቑው፡፡

እቶም ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ዓቕሚ እቲ ኮሌጅ ካብዚ ንላዕሊ ንምጥንኻር ኣድላዪ ሓገዝ ክግበር ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ነዚ ዘበን ዝምጥን ዓቕሚ ዕቤት ቴክኖሎጂን ስልጣነን ብምልባስ ነቲ ሰራዊት ብግቡእ ብምምራሕ ናብ ዓወት ከብቅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ንልዕልነት ኢትዮጵያ ዝምጥን ሰራዊት ምህናፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ብመፅናዕቲን ምርምርን ፕሮፌሽናል ሰራዊት ምህናፅ፣ ለውጢ ብተግባር ምርኣይን ከባቢ ክቓንዩን ኣለዎም ክብሉ ኣገንዚቦም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ መደረኦም፥ እቲ ሰራዊት ፈተናታት ብፅንዓት ብምሕላፍ ዓቕሙ ዘመስከረ ንኢትዮጵያ ኣሳጊሩ ኢዩ ኢሎም።

ነባራዊ ኩነታት እቲ ዞባ ብግቡእ መገዲ ምግንዛብ ከምዝግባእ ብምሕባር÷ ሰራዊት ምክልኻል በሪ ባሕሪ ሓዊሱ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናተዋፀአ ይርከብ ኢሎም፡፡

በዚ ድማ መንግስቲ ገፁ ናብ ልምዓት ብምዛር ዓበይቲ ፕሮጀክታት እናዕወተ ብራኸ እዛ ሃገር እናረጋገፀ ቀፂሉ ኣሎ ዝበሉ እንትኾኑ፥ ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት ንህዝቡ ዝጠቅም ስራሕቲ ልምዓት ተሳትፎ ንኽገብብር ኣተሓሳሲቦም።

ኲናት እንተይተዋገአ ብርሑቑ ዘትርፍን እንተተፈጢሩ ድማ ብውሑድ ክሳራ ብዓወት ዝዋፃእን ሰራዊት እናተሃነፀ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብመሳፍንት ብርሌን መራኦል ከድርን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.