Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ዓቕሚ ትካላት ጥዕና ንምይንኻር ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኩለመዳይ ዓቕሚ ትካላት ጥዕና ንምይንኻር ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ከምዝሉዎ÷ ዓውዲ ጥዕና ካብ ሕክምና ሓሊፉ ብዲሲፒሊን ዝተሃነፀ ጥዑይ ትውልዲ ንምህናፅ ግድኡ ዕዙዝ ኢዩ፡፡

በቲ ዓውዲ ዝለዓሉ ሕቶታት ብብርኪ ፖሊሲ ምርኣይ የድሊ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ፖሊሲ ጥዕና ኣብ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

መንግስቲ ፅባሕ ለውጢ ግን ኣብ ምክልኻልን ሓኪምካ ምሕድሓንን ዘድሀበ ፖሊሲ ጥዕና ብምትግባር ብዙሓት ለውጢታት ከምዘመዝገበ ኣብሪሆም፡፡

ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ንፁሕ ከባቢ ንምፍጣር ዝውገኑ ስራሕቲን ጥዑይ ዜጋ ንምፍራይ ዝትግበሩ ኣካል ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻል ፖሊሲ ጥዕና ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ፖሊሲ ሓኪምካ ምድሓን እውን ኣብ ምህናፅ ሰብ ሞያ ጥዕናን ትካላት ጥዕናን ብትኹት ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም፡፡

ዓውዲ ሕክምና ረብሕኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ናይ ለውጢ መንግስቲ እውን እዚ ብግቡእ ኩነታት ከምዝርዳእ ኣብሪሆም፡፡

ንኣብነት ድማ ቅድሚ ሒደት ዓማታት ብቐጥታ ንሚኒስቴር ጥዕና ፈሰስ ዝግበር ሃፍቲ 70 ቢሊየን ብር ከምዝነበረ ብምሕባር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን 130 ቢሊየን ብር ፈሰስ ይግበር ኣሎ ኢሎም፡፡

እዚ ድማ ንዩኒቨርሲቲታትን ንመህነፂ ህንፃን ዝምደብ ከምዘየካትት ኢዮም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዛረቡ፡፡

ብመንፅር እዚ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ክንዲ እትምድቦ በጀት ከምዘይተውፅእን ኣብቲ ዓውዲ ትውግኖ መሰረተ ልምዓት ከምዘይትሃንፅን ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ኩለመዳይ ዓቕሚ ትካላት ጥዕና ንምጥንኻር ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.