5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ብሬሚታንስ ናብ ሃገር ተላኢኹ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በጀት ዓመት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ካብ ወፃኢ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ብሬሚታንስ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ተላኢኹ ኢሉ ግልጋሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ፡፡
ሓላፊ ክፍሊ ትልሚ እቲ ግልግሎት ወንድወሰን ተረፈ ንፋና ዲጂታል ከምዝበለዎ÷ ኩለመዳያዊ ተሳትፎ ዲያስፖራ ንምጥንኻር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ፡፡
ኣብዚ በጀት ዓመት ምስ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ዲያስፖራ ናብ ሃገር ዝልእኾ ሬሚታንስ ንኽውስኽ ጠመተ ሂቡ ምስርሑ ተዛሪቦም፡፡
ዲያስፖራ ናይ ሸርፊ ወፃኢ ኣካውንት ክኸፍት ምግባሩ ሓቢሮም÷ በዙይ እውን 18 ሺሕን 889 ኣካውንት ምኽፋት ተኻኢሉ ኢሎም፡፡
ብዝተኸፈተ ኣካውንት 25 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ምዕቋሩ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ÷ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ልዑል ዕብየት ምርኣዩ ኣረዲኦም፡፡
ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ዲያስፖራ ዝልኣኽ ሬሚታንስ ንምዕባይ ብዝተገበረ ደገፍን ክትትልን 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ብሬሚታንስ ናብ ሃገር ምልኣኹ ሓቢሮም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!