ሃገራዊ ሰላም ንምፅናዕ ማሕበራዊ ክብርታት ብግቡእ ምጥቃም ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገራዊ ሰላም ንምፅናዕ ማሕበራዊ ክብርታት ብግቡእ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ሰላም መሓመድ ኢድሪስ፡፡
ማሕበራዊ ሃፍቲታት ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሚኒስትሪ ሰላም ዝተዳለወ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣይተ መሓመድ እድሪስ ሓዊሱ ኣባላት ተወከልቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)፣ ሽማግለታት ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ኣመራርሓታት ትካላት ሰላምን ተሳቲፎም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለዎ÷ ኢትዮጵያ ምዕቡል ባህላዊ ክብርታት ዘለዋ ሃገር ምዃና ሃፍቲታት ንህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሰላምን ንምፅናዕ ክርብሑ ይግባእ ፡፡
መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ብወገኖም÷ እታ ሃገር እትርከበሉ ዘይግቡእ ኹነታት ብምርዳእ መፍትሒ ፀገማት ዘለዋ ንምዃን ናይ ኩላትና ሓላፍነት ምዃኑ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ብቅድስት ኣባተ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!