ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዘሕለፎም ውሳነታት ባህሪታት ኩዕሾ እግሪ ኢዮም – ኣይተ ኢሳያስ ጅራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ትማሊ ዘሕለፎም ውሳነታት ባህሪታት ኩዕሾ እግሪ ኢዮም ኢሎም ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ኢሳያስ ጅራ፡፡
ጋንታ ሲዳማ ቡና ኣብ ቅፅዓት ዝነበሩ ተፃወትቲ ተጠቒሙ ኢዩ ብዝብል ፅዋዕ ኢትዮጵያ ንወላይታ ድቻ ንኽወሃብን ካብ ፕሪሚየር ሊግ ዝወርዳ ጋንታታት ከምዘየለዋ ምግላፁ እቲ ኮሚቴ ካብ ዘሕለፎም ውሳነታት ዝፅርሑ ኢዮም፡፡
ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ኢሳያስ ጅራ እቶም ውሳነታት ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ብዙሓት ጋንታታት ደምቢን መምርሒን ብምጥሓሰን ፍትሒ ንንምዕሳል ብዝብል ዝተወሰነ ኢዩ ኢሎም፡፡
እቲ ውሳነ ሕቶ ፍትሓውነት መሰረት ብምግባር ዝተወሰነ ከምዝኾነ ዘልዐሉ እቶም ፕሬዝዳንት፥ እቲ ውሳነ ብኣካላት ፍትሒ ዝተውሃበ ከምዝኾነ ግልፂ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ፀሪሖም፡፡
ኣብ ዝተረፋ 14 ጋንታታት እቲ ፕሪሚየር ሊግ ተመሳሳሊ ምርመራ ከምዝግበር ብምግላፅ፥ ኣብ ሓፂር እዋነ ተግባራዊ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ንሰርሕ ኣለና እውን ኢሎም።
ሓንቲ ጋንታ ንምጥቃም ካሊእ ጋንንታ ብምጉዳእ ዝተገበረ ውሳነ ኣይኮነን ዝበሉ እንትኾኑ፥ ኢድ ኣእታውነት ሳልሳይ ወገን ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተዛሪቦም፡፡
ቁፅሪ ጋንታታት እቲ ሊግ ዝውስን ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ እምበር ጋንታታት ኣይኮናን ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንር፥ ነቶም ውሳነታት ኣይቅበልን ትብል ጋንታ ነቲ ሊግ ገዲፋቶ ክትከይድ ትኽእል ኢያ ክብሉ ኣብ መግለፂኦም ተዛሪቦም፡፡
ብኣቤል ንዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!