ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ንከተማ ባህርዳር ዝወቀበትን ምችውቲን ዓለም ለኸ መስሕብ ክገብራ ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ንከተማ ባህርዳር ዝወቀበትን ምችውቲን ዓለም ለኸ መስሕብ ክገብራ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ “ብምትካል ኣብ ምብራኽ ጉዕዞ ንርከብ” ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓለም ለኸ ስታዲየም ባህር ዳር ንዝመፅእ ትውልዲ ሃምለወይቲ ሃገር ንምርካብ ምስ ናይ ፅባሕ ተረከብቲ ሃገር ሰገናት፣ መናእሰይ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ከተማ ባህር ዳርን ብምዃን ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢርና ክብሉ ገሊፆም፡፡
ሓምለዋይ ኣሰርና ከም ሃገር ፍልፍል ፅባቐን ተደማሪ ዓቕሚ ኢኮኖሚን ክኸውን ኢዩ ብምባል ተሊምና ዝሰራሕናዮ ብውፅኢት ፍረ ኣፍርዩ እናተርኣየ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
“ኣብ ባህርዳር እውን ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ብተኽሊታት ስየን ልምላመን ዝወቀበት ከተማ ብዝበለፀ ዝወቀበትን ምችውቲን ዓለም ለኸ መስሕብ ክገብራ ኢዩ” ኢሎም።
ለሀገራዊ የአረንጓዴ አሻራችን በተባበረ ክንድ እንትጋ ሲሉም ጥሪ አስተላልፈዋል።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ንሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርና ብዝተሓባበረ ቅልፅም ንትጋህ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!