ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ተፈፂሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ኣብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ሎሚ ተፈፂሙ።
ኣብ’ቲ ሰርዓተ ቀብሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ስድራ እቲ ኣርቲስት፣ ናይ ሙያ መሓዙትን ደገፍቲን ተረኺቦም።
ኣርቲስት ደበበ ንኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘበርከተ እንትኸውን፥ ብቴኣትር፣ ፊልሚን ጋዜጠኝነትን ብዙሓት ስራሕቲ ንኣድመፅትን ተመልከትትቲን ኣቕሪቡ።
ደራሲ፣ ተርጓሚ፣ ኣሰናዳኢን ተዋሳኢን ብምዃን ንብዙሕ ዓማውቲ ዘገልገለ እቲ ኣርቲስት፥ ኣብ መድረኻት ቴኣትር ብህዝቢ ተፈተውቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ብምቕራብ ይፍለጥ።
ብናይ መድረኽ ቴአትር ኣብ ልዕሊ 40 ተዋስኦታት ዝተሳተፈ እንትኸውነ፥ ካብ መንጎ እቶም ተዋስኦታት “ጠልፎ በኪሴ፣ ዳንዴው ጨቡዴ፣ ጠያቂ፣ የቬኑሱ ነጋዴ፣ ናትናዔል ጠቢቡ፣ እናት አለም ጠኑ፣ የበጋ ሌሊት ህልም፣ ንጉስ ሊር፣ አመት ከአንድ ቀን፣ እኔ እና ሃያ ሰባት ገረዶቼ፣ የአዛውንቶች ክበብ” ዝብሉ ይርከብዎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!