Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ከተማ መቐለ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ “ኣሸንዳ መሰረት ሰላም፣ ሓድነትን ተስፋን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብድምቀት እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ከምዝገለፆ ኣብ ከተማ መቐለ እናተኸበረ ዝርከብ በዓል ኣሸንዳ ሕድሕድ ርክብ ህዝቢታት ንምጥንኻን መብሰሪ ሰላም ንኽኸውንን ተሓሲቡ ይኽበር ኣሎ፡፡

ካብ ዝተፈላሉ ክፋላት እዛ ሃገር ዝመፅኡ ኣጋይሽ ኣብ በዓል ኣሸንዳ እናተኻፈሉ ይርከቡ፡፡

እቲ በዓል ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ትውፊታዊ ኩነት ብሓባር ብመሓዝ ብልዑል ድምቀት ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ ጎራዙ ብናፅነት ዘኽብረኦ ብምዃኑ ‘መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’ ተገይሩ ስለ ዝውሰድ ደቂ ኣንስትዮ ወቂበንን ደሚቐንን የኽብረኦ።

ብብርኽቲ ማህተም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.