ቡካዮ ሳካ ንኣርባዕተ ሰሙን ካብ ሜዳ ክርሕቕ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እንግሊዛዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ መስመር ኣርሰናል ቡካዮ ሳካ ብጉድኣት ምኽንያት ንኣርባዕተ ሰሙናት ካብ ሜዳ ክርሕቕ ኢዩ፡፡
እቲ ተፃዋቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣርሰናል ንሊድስ ዩናይትድ 5 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ጉድኣት ኣተኣናጊዱ ካብ ሜዳ ምውፅኡ ይዝከር፡፡
ሳካ ኣብቲ ፀወታ ናይ ኣርሰናል 2ይቲ ሸቶ ዘመዝገበ እንትኸውን፥ ንኣርባዕተ ሰሙን ካብ ሜዳ ከምዝርሐቕ ቢቢሲ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣርሰናል ኣብ ዝመፅእ ሰንበት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ምስ ሊቨርፑል ትገብሮ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ከምዘየርክበ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ፡፡
ብተመሳሳሊ ምስ ሊድስ ኣብ ዝነበረ ፀወታ ጉድኣት ኣተኣናጊዱ ዝነበረ ማርቲን ኦዲጋርድ ኣብ ኣንፊልድ ዝግበር ንሕንሕ ናይ ምብፅሑ ጉዳይ ዘጠራጥር ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!