ኣብ ዞባ ወላይታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ወላይታ ወረዳ ዱጉና ፋንጎ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት ሓሊፉ።
ካብ ኮንሶ ናብ ሞጆ ኣብዑር ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ኤፍ ኤ ሳር ዝዓይነታ ተሽከርካሪት ብምግልባጣ እታ ሓደጋ ምግጣሙ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ወረዳ ም/ል ኮማንደር ኤሊያስ ሜንታ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።
እቲ ሓደጋ ለይቲ ኣስታት ሰዓት 7፡30 መግጣሙን ህይወት ገናሒ መኪናን ሓጋዚኡን ሽዑ ንሽዑ ከምዝሓለፈን ገሊፆም።
ኣብታ ተሽከርካሪት ዝተፅዓኑ 17 ኣብዑር እውን ኩሎም ከምዝሞቱ ተዛሪቦም።
መበገሲ እቲ ሓደጋ ይፃረ ኣሎ ኢሎም።
ብማስተዋል ኣሰፋ