ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ዋልያታት ሽመልስ በቀለ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ካብ ዝተርኣዩን ናይ ባዕሎም ኣሰር ከንብሩ ዝኸኣሉን ተፃወትቲ ሓደ ዝኾነ ነበረ ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሽመልስ በቀለ ኢዩ፡፡
ናይ ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ ኣብ ሃዋሳ ኮረም ሜዳ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ብብርኪ ጋንታ ካብ ሃገር ብምውፃእ እውን ተፃዊቱ ኢዩ፡፡
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ድሕሪ 31 ዓመታት ናብ ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ እንትምለስ ልዑል ግደ ካብ ሞንጎ ዝነበሮም ተፃወትቲ ሽመልስ በቀለ ይፅራሕ፡፡
ልዕሊ 10 ዓመታት ኣብሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዘገልገለ ኮኸብ፤ ኣብ ክልተ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፃወቱ ውሑዳት ተፃወትቲ ሓደ ኢዩ፡፡
ሽመልስ በቀለ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ፃሒቱን ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታታት ኣብ ዝተፃወተሎም እዋናት ዝገብሮ ምንቅስቓስ ዘደንቕ ብምዃኑ ብዙሓት የድንቑዎ፡፡
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ሃገር ወፃኢን ኣብ ዝርከባ ጋንታታት ክፃወት ዝኸኣለ ሽመልስ በቀለ፤ መብዛሕትኡ ናይ ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ ዘሕለፈ ኣብ ግብፂ ሊግ ኢዩ።
ሽመልስ ካብ ሃገር ቅድሚ ምውፅኡ ንጋንታታት ሃዋሳ ከተማን ቅዱስ ጊዮርጊስን ከምዝተፃወተ ይፍለጥ፡፡
ሽመልስ በቀለ ኣብ ጋንታታት ሊብያን ሱዳን ንሓፂር እዋን ዝተፃወተ እንትኸውን ናብ ግብፂ ብምምራሕ ንጋንታታት ፔትሮጀት፣ ንምስር ኣልመካሳ፣ ኤል ጉናን ኤንፒን ተፃዊቱ ኣኽሊፉ ኢዩ፡፡
ድሕሪ 10 ዓመታት ናብ ሃገር ብምምላስ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ መቻል ዘሕለፈ እቲ ተፃዋቲ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ናይ ቁልዕነት ጋንትኡ ሃዋሳ ከተማ ኣምሪሑ ኣሎ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!