ፅንፈኛ ፋኖ ምስ ተሰሪኻ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ልኡኽቶ ብምቐባል ብኲናተ ውክልና ሃገር ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ፅንፈኛ ፋኖ ምስ ተሰሪኻ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ልኡኽቶ ብምቐባል ብኲናተ ውክልና ሃገር ንምፍራስ ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ ኢዱ ንመንግስቲ ዝሃበ ሓላፊ ሓበሬታን ድሕንነትን እቲ ጉጅለ ያረጋል ኣያና ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ንባዕሉ “ክፍለ ጦር ራስ መንገሻ ኣቲከም” እናበለ ናይ ዝፅውዕ ፅንፈኛ ጉጅለ ሓላፊ ሓሬታን ድሕንነትን ዝነበረ ያረጋል ኣያና መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ኢዱ ንመንግስቲ ሂቡ።
መራሕቲ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ፤ ልኡኽቶ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ንምፍፃም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፁ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝነበረ ያረጋል ኣያና÷ ብዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ተደናጊሩ ናብቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ከምዝተፀምበረን ካብ ኣባልነት ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ደረጃ ከምዝሰርሐ ተዛሪቡ።
እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ብኣንደበቱ ንህዝቢ ከምዝቃለስ ይግለፅ እምበር ብተግባር ግን ኣዴታት ኣምሓራ ኣገልግሎት ጥዕና ከይረኸባ፤ ደቀን ከየምህራ እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡
ሓረስታይ ንዘርኢ ዘቐመጦ እኽሊን ንዘበናዊ ዱኽዒ ዝዓቖሮ ገንዘብን እንተይተረፈ ብምምንዛዕ ፀረ ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ ኢሉ።
ንዋየ ቅዱሳን ቤተ ክርስቲያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ወፂኦም ክሽየጡ ከምኡ እውን ንመህነፂ ቤተ ክርስቲያን ዝእከብ ገንዘብን ብምሕዳግ ልዑል ኣረመኔያዊ ተግባር ከምዝፍፅሙ እውን ኣረጋጊፁ።
እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ሕብረት ብምፍጣር ሃገር ንምፍራስ ናይ ውክልና ኲናት እናካየደ ምዃኑ ብምግላፅ÷ እዚ ድማ ኣዚዩ ዘነውር ተግባር ብምዃኑ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ከምዝተቐበለ ተዛሪቡ።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዓወት ብምዝዛሙ ኣዚዮም ከምዝሓዘኑ እውን ገሊፁ።
ብዝተፈላለዩ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ተደናጊሮም ናብቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝፅምበሩ መናእሰይ ሰሪ ኣካይዳ እቲ ጉጅለ እናተገንዘቡ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
እዞም መናእሰይ ግዘን ኩነታትን እንትፈቕዱሎም ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ብምቕባል ናብ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስ ድሉዋት ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ኣዚዩ ተስፋ እናቖረፀ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ማሕበረሰብ መፍረሲ ልኡኽቶ እቲ ጉጅለ ብምርዳእ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን እናተቓለሶም ከምዝኾነ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!