ኮሚሽን ጉምሩክ ሃገራዊ ሪፎርም ዕዉት ንምግባር ሓይሊ ሰቡ የጠናኽር ኣሎ- ኣይተ ደበሌ ቃበታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ሃገራዊ ሪፎርም ዕዉት ንምግባር ሓይሊ ሰቡ የጠናኽር ኣሎ ኢሎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቃበታ።
እቲ ኮሚሽን ካብ ኩሎም ከባቢታት እዛ ሃገር ብምምልማል ንሓደ ወርሒ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 3 ሺሕ መናእሰይ ኣመሪቑ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዓውዲ ተረኺቦም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቃበታ፥ ትካላዊን ሃገራዊን ሪፎርም ዕዉት ንክኸወን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ብፍላይ ሓይሊ ሰብ ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ካብ ኩሉ ከባቢታት እዛ ሃገር ተመልሚሎም ዝሰልጠኑ መናእሰይ ኣካል ልምዓት ሓይሊ ሰብ ከመዝኾኑ ሓቢሮም።
ብዳዊት ንጉሴ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!