Fana: At a Speed of Life!

“የመደመር መንግስት” ብልፅግና ኢትዮጵያ ትምኒት ጥራይ ዘይኮነስ ከምዝክኣል ዘርኣየ እዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) “የመደመር መንግስት” ብልፅግና ኢትዮጵያ ትምኒት ጥራይ ዘይኮነስ ከምዝክኣል ዘርኣየ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ መፅሓፍ “የመደመር መንግስት” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ÷ “የመደመር መንግስት” ኩሉም ጉዕዞኡ ድሕሪ ምድህሳስ መዕለቢኡ ብንፁር ዘቐምጥ መፅሓፍ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

“የመደመር መንግስት” ካብ ድሌትን ትምኒትን ሓሊፉ መዓዝ እንታይ እንተዐወትና ክንበፅሖ ንክእል ዝብሉ ሓሳባት ትልሚታትን ብግልፂ ዘርኣየ ከምኡ እውን ብልፅግና ኢትዮጵያ ትምኒት ጥራይ ዘይኮነስ ከምዝክኣል ዘርኣየ እዩ ኢሎም፡፡

ትልሚታት “የመደመር መንግስት” ብትምኒት ዝተርፍ ጥራይ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ብዘረጋገፀ መልክዑ ኣብ ዝተትሃዘሎም ግዜ ዝፍፀም ምዃኑ ኣረዲኦም።

ናይ ምትግባር ዓቕምና ብብዙሕ ስራሕቲ ኣመስኪርና ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ ራእይና ሃገር ትመስል ሃገር ምፍጣር ዘይኮነስ ንዓኣ እትመስል ሃገር ምፍጣር እዩ ኢሎም።

ከም ሃገር ሓምለዋይ ኣሰር፣ ዓብዩ ግድብ ህዳሰን ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታትን ዝተመዝገቡ ዓወት “የመደመር መንግስት” ናይ ትልሚ ምውፃእን ምትግባርን ዓቕሙ ንዓለም ዘርኣየ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዓቕምና፣ ብናይ ባዕልና ገንዘብን ኣብ ሓፂር ግዘ ዝተሰርሑ ፕሮጀክትታት ከምዘለዉ ፤ እዞም ፕሮጀክትታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣብነት ከም እትኸውን እውን ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.