ተዛረብቲ ታሪክ ጥራሕ ዘይኾንናስ ሰራሕቲ ታሪክ ኮይንና ኢና – ኣይተ ጥላሁን ከበደ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ተዛረብቲ ታሪክ ጥራሕ ዘይኾንናስ ሰራሕቲ ታሪክ ኮይንና ኢና ኢሎም፡፡
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ወላይታ ሶዶ ንመመረቕታ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ደገፍን ሓጎስን ንምግላፅ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸቡ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ÷ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝተረኣየ ሓድነት ብምጥንኻር ሃገርና ኢሉ እውን ብክልልና ናይ ብልፅናን ናይ ምኽእኣል ኣብነት ብምግባር ብትግሃት ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም፡፡
ተዛረብቲ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኾንናስ ሰራሕቲ ታሪክ ኮይንና ኢና ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ግድብ ብሓድነትን ሕብረትን ምኽኣልና ዘርአናሉ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ብመለስ ታደለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!