Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ቀዳም ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቼልሲ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታታት ሓምሻይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ።

ኣብ ናይ ፅባሕ መርሃ ግብሪ  ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቼልሲ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ብኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ዝምራሕ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሓዱሽ ውድድር ዘበን 2024/25 ዝሓሸ ግዘ ኣየሕልፍን ዘሎ።

ዩናይትድ ኣብዚ ውድድር ዓመት ኣብቲ ሊግ ኣብ ዝገበሮም ኣርባዕተ ፀወታታት ከልተ ተሳዒሩ፣ ሓደ ተዓዊቱ ሓደ ድማ ማዕረ ብምውፃእ ክሳብ ሐዚ 4 ነጥቢ ጥራሕ ኣዋህሊሉ ኣሎ።

ብኣሰልጣኒ ኢንዞ ማሬስካ ዝምራሕ ቼልሲ ብኣንፃሩ ኣብዚ ሓዱሽ ውድድር ዓመት ካብ ዝገበሮም ኣርባዕተ ፀወታታት ክልተ እንትዕወት፥ ኣብቶም ክልተ ድማ ነጥቢ ተማቒሉ ብምውፃእ ብድምሩ 8 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ኣሎ።

ኣብ ክራማት ኣብ ዝተገበረ ዝውውር ተፃወትትቲ ካብ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ቼልሲ ዝተፀንበረ ኣሊያንድሮ ጋርናቾ ንነበር ጋንትኡ ብተፃራሪ ክገጥም ኢዩ።

ክልቲኦም ጋንታታት ዝገብርዎ ፀወታ ፅባሕ ምሸት ሰዓት 1፡30 ኣብ ኦልድትራፎርድ ክካየድ ኢዩ።

ቅድሚ እዚ ፀወታ፥ ቀትሪ ሰዓት 8፡30 ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውህሉል ነጥቢ መራሒ እቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝኾነ ሊቨርፑል ኣብ ሜዲኡ ምስ ኤቨርተን ክጋጠም ኢዩ።

ኤቨርተን ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበሮም ኣርባዕተ ፀወታታት ክልተ ተዓዊቱ፣ ሓደ ተሳዒሩ ሓደ ፀወታ ድማ ማዕረ ወፂኡ።

ወልቭስ ምስ ሊድስ ዩናይትድ፣ ዌስትሃም ዩናይትድ ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ በርንሌይ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ብራይተን ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 11፡00  ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም።

ምሸት ሰዓት 4፡00 ኣብ መዛዘሚ መርሃ ገብሪ ዕለታ ቀዳም ድማ ፉልሃምን ምስ ብሬንትፎርድ ክጋጠማ ኢየን።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.