ወድድር ፍፃመ 5ይ ዙር ጎብለላት ፋና ላምሮት ፅባሕ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ብርቱዕ ንሕንሕ እናተኻየደ ዝፀንሐ ወድድር ፍፃመ 5ይ ዙር ጎብለላት ፋና ላምሮት ፅባሕ ብድምቀት ክካየድ ኢዩ።
ኣብቲ ውድድር ንፍፃመ ዝበቁቕዑ ጴጥሮስ ማስረሻ፣ እየሩሳሌም ኣሰፋ፣ እዮቤል ፀጋዬን ኤፍሬም ጌታቸውን ክነሓንሑ ኢዮም።
ኣብ ዕለታዊ ኣቀራርባ መሰረት ብምግባር ብድምፂ ዳያኑን ተመልከትቲን ተዓዋቲ እቲ ውድድር ዝፍለ እምትኸውን፤ ኣብቲ ውድድር ሓደ ናይ ክብሪ ጋሻ ብዳይነት ክርከብ ኢዩ።
ኣብ መበል 13 ሰሙን ኣርባዕተ ብሉፃት ተወዳደርቲ ብመሓዝ ውድድር ፍፃመ ዘካይድ ፋና ላምሮት፤ ልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ሽልማት ዝተሰናደአ እንትኸውን፤ ሽልማት ፅዋዕን ሓዱሽ ሙዚቃን ከበርክት ኢዩ።
እዚ ድሙቕ ውድድር ብቐጥታ ፈነወ ፅባሕ ቀዳም 10 መስከረም 2018 ዓ.ም ካብ ሰዓት 6:00 ጀሚሮም ብኹሎም ኣማራፂታት ሚዲያ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ይከታተሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!