Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ማእኸል ዝተዋደደ ኣገልግሎት ሕውየት ሕክምና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ሃገር ለኸ ዝኾነ ህንፀት ማእኸል ዝተዋደደ መሕወዪ ኣገልግሎት ሕክምና ተጀሚሩ።

እምነ ኹርናዕ እቲ ማእኸል ዘንበራ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዘፈር ጥዕና ትኹረት ብመሃብ እታወት ናይ ምምላእን መሰረተ ልምዓትን ናይ ምዝርጋሕ ስራሕ እናሰርሐ ይርከብ።

ንኣገልግሎት ኣምሮ ጥዕናን ሓገዝ ኣካልን ትኹረት ብመሃብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ የሃልዉ እምበር ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ብፍላይ ጉድኣት ኣካልን ኣእምሮን ዘጋጠሞም ወገናት ተበፃሒ ንምግባር እናተወገነ ዝርከብ ስራሕ ብዝበለፀ ንምጉልባት መሰል ህንፀታት ወሰንቲ ከምዝኾኑ ኣገንዚበን።

ህንፀት እቲ ማእኸል መንግስቲ ንዓውዲ ጥዕና ዝሃቦ ትኹረት መርአያ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ህንፀፅ እቲ ማእኸል እንትዛዘመ ኣገልግሎት ሓገዝን ሕውየትን ከምዝወሃብ ኣብሪሀን።

ብይስማው ኣደራው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.