Fana: At a Speed of Life!

ን10ይ ፎረም ከተማታት ስራሕቲ ምድላው እናተወገኑ ይርከቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሎጊያ ሰመራ ንዝካየድ 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ስራሕቲ ምድላው ይውገኑ ኣለዉ ኢለን፡፡

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ስራሕቲ ምድላው ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ክዝበለኦ÷ እቲ ፎረም “ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ከተማታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ፎረም ልዕሊ 150 ከተማታትን ትካላትን ከምዝሳተፉ ብምግላፅ÷ ነቲ ፎረም ዘድልዩ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተወገኑ ከምዝኾኑ ኣፍሊጠን።

እቲ ፎረም መብፅሒ መፃኢ ዘበን ምዕባለ ዝኾና ከተማታት ልውውጥ ልምዲን ብተመጣጣኒ ጉዕዞ ዕቤት ንኽስጉማ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ሓቢረን፡፡

ተሳተፍቲ ከተማታት ምዝገባአን ክሳብ 30 መስከረም 2018 ዓ.ም ክዛዝማ ከምዘለወን እተን ሚኒስትር ኣተሓሳሲበን።

እቲ ፎረም ካብ 6 ክሳብ 10 ሕዳር 2018 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።

ብሰለሞን ይታየው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.