Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ብኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ ዝተሃነፁ 1 ሺሕን 671 መንበሪ ኣባይቲ ንሕብረተሰብ ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብታ ከተማ ብኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታ ዝተሃነፁ 1 ሺሕን 671 መንበሪ ኣባይቲ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣረኪበን።

ዝተሃነፁ ኣባይቲች ንሰብ ውዕለታ ሃገር፣ ንኣረጋውያን፣ ንጉዱኣት ኣካል፣ ንልዑል ማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑ ከምኡ እውን ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡን ኣብ ወሰን ሩባ ንሓደጋ ተቓላዕቲ ዝኾኑን ክፋላት ሕብረተሰብ ተዋሂቦም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝበለኦ፥ እቶም ገዛውቲ መፃቲ ህፃናትን መዘውተሪ ስፓርትን ዝሓዙ ከምዝኾኑን ሕብረትን ጉርብትናን ዘጠናኽሩ ንፁህን ወሲ ሰብ ዝግበኦ ክቡር ሜላ ኣነባብራ ዘደንፍዐ ኢዮም፡፡

ብኣንዷለም ተስፋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.