Fana: At a Speed of Life!

ኦሊምፒክ ሰገናት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ጥቅምቲ ካልኣይ ኦሊምፒክ ሰገናት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ውድድር ዕድሚኦም ካብ 14 ክሳብ 17 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ክሳተፉ እዮም፡፡
ቀንዲ ዕላማ እቲ ውድድር ኣብ ሰገናት ኣትሌታት መንፈስ ኦሊምፒክ ንምስፋርን ተሳትፎኦም ንምዕባይን ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ኦሊምፒክ ዝበለፀ ውፅኢት ዘመዝገቡ ስፖርተኛታት ኣብ ኣንጎላ ኣብ ዝካየድ ኦሊምፒክ ሰገናት ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ከምዝሳተፉ ሓቢሮም፡፡
ከጥቅምት 8 እስከ 15 ቀን 2018 ዓ.ም በሚካሄደው የኢሊምፒክ ጨዋታ ከ12 ክልሎች እና ሁለት ከተማ አስተዳደሮች የሚመረጡ አዳጊ ስፖርተኞች በ20 የስፖርት አይነቶች ይሳተፋሉ።
ካብ 8 ክሳብ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ኦሊምፒክ ፀወታ ካብ 12 ክልላትን ክልተ ምምሕዳራት ከተማታትን ዝተመርፁ ሰገናት ኣብ 20 ስፖርት ክሳተፉ እዮም።
ብወርቅነህ ጋሻሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.