ኣብ ወላይታ ሶዶ ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ተመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ወላይታ ሶዶ ዝተሃነፀ ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ሎሚ ተመሪቑ።
ግልጋሎት መውሀቢ መሶብ ሓደ ማእከል ርእሰ ምምሕዳር ጥላሁን ከበደ መሪቆም ስራሕ ኣጀሚሮም፡፡
እቲ ማእኸል ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ኣርባዕተ ፌደራልን ሽዱሽተ ክልላዊ ትካላትን ከምዝሓዙ እዩ ዝተገለፀ፡፡
በዙይ ድማ ልዕሊ 15 ግልጋሎት ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝድገፍን ስሉጥን ዘመናውን ኣሰራርሓ ኣብ ሓደ ማእኸል ምውሃብ ዘኽእል ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!