ብሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዝነኣዱ ኢዮም – ባንኪ ዓለም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ ሪፎርም ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዝድነቑ ኢም ኢሎም ኣብ ባንኪ ዓለም ዓለም ምክትል ፕሬዚዳንት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ንዲያሜ ዲዮፕ፡፡
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ዋና ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ኢትዮጵያ ባንኪ ዓለምን ዘለዎም ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ምስቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ተዛቲዮም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ትግበራ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተረኸቡ ውፅኢታት መብርሂ ብመሃብ እቲ ባንኪ እናገበሮ ንዝርከብ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
በቲ ሪፎርም ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብዘላቕነት ክቕፅል ንምግባር ብፍላይ ድና ዘፈር ሓይሊ ሓዊሱ ቅድሚት ኣብ ዝወሃቦም ዓውዲታት ዝግበሩ ሓገዛትን ዞባዊ ምትሕብባር ምጥንኻርን ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ዋና ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ዝተረኸቡ ዓወታት ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለም ኣባል ንምዃን ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዘሎ ከይዲ ዝርከበሉ ብርኪ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ባንኪ ዓለም ዓለም ምክትል ፕሬዚዳንት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ንዲያሜ ዲዮፕ፥ ብሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብምንኣድ፥ እቲ ባንኪ ንዕዉትነት እቲ ሪፎርም ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!