Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ኮሪደር ሜላ ኣነባብራ ኣብ ምምሕያሽ ዘሎዎ ግደ ልዑል ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ኮሪደር ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር፣ ቱሪዝም ኣብ ምንቕቃሕን ሜላ ኣነባብራ ነበርቲ ኣብ ምምሕያሽ ዘረጋግፆ ዘሎ ግደ ልዑል ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ጅግጅጋ ምዕዛቦም ስዒቡ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም፥ ቅድሚ ሒደት እዋናት ኣብ ጅግጅጋ ዑደት ኣካይዶም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።

ሐዚ ዝረአናዮ ግን ጅግጅጋ ቅድመ ሐዚ ካብ ዝረአናዮ ኣዝዩ ዝተፈለየ ኢዩ ኢሎም።

ኣብታ ከተማ 60 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ውሽጢ ንውሽጢ፣ 10 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ኣጋር፣ 10 ኪሎ ሜትሮ መስመር ብሽክለታ ከምኡውን ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓደሽቲ ኣባይቲ ተሃኒፆም ምርኣዮም ኣፍሊጦም።

ከምኡ’ውን ኣብታ ከተማ መሰረተ ልምዓታት ምስፍሕፍሑን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ተረባሕነት መብራህቲ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ምውሳኹን ሓቢሮም።

ልምዓት ኮሪደር ንምፍጣር ዕድል ስራሕ፣ ትኪ ኣልቦ ኢንዱስትሪ ብምንቕቓሕን ሜላ ኣነባብራ ሰባት ኣብ ምምሕያሽን ዝፃወቶ ዘሎ ተራ ኣዝዪ ልዑል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ጅግጅጋ ዝረአናዮ ለውጢ ኣብ ምብራኽ ክፍሊ ሃገርና ልዑል ዝበሃል ተስፋ ዝህብ ስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ድሕሪ 15ን 20ን ዓመት ኣብዝሓ ማሕበረሰብ መንበሪ ስፍራ ከተማ ብምዃኑ ከተማ ናይ ምፅባቕ ስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.