ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውሕጅ ምስ ግድብ ህዳሰ ብምትሕሓዝ ዝቐረበ ውንጀላ ውድቂ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውሕጅ ምስ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብምትሕሓዝ ግብፂ ዘቕረበቶ ውንጀላ መሰረት ዘይብሉ ክትብል ውድቂ ገይራ፡፡
ግብፂ ቅድሚ መዓልቲታት ብሚኒስቴር ማይን መስኖ እታ ሃገር ኣቢላ ብዘውፀአቶ መግለፂ፥ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውሕጅ ብፀገም ምሕደራ እቲ ግድብ ዝተፈጠረ ኢዩ ዝብል ውንጀላ ኣቕሪባ፡፡
ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ብወገን ግብፂ ዝቐረበ ውንጀላ መሰረት ዘይብሉን ምስ ሓቂ ዝጋጮ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ግድብ ውሕጅ ዘስዕብ ዘይኮነስ ሓደጋ ውሕጅ ክንኪ ከምዝገበረ ኣገንዚቡ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ግድባት መፈልፈሊ ሓይሊ ናይ ምህናፅን ፍሰቶም ናይ ምምሕዳርን ልምዲ ከምዘለዋ ብምሕባር፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምህናፅ ኣብ ሱዳንን ግብፂን ከጋጥም ዝኽእል ልዑል ውሕጅ ከትርፍ ከምዝኸኣለ ኣብሪሁ፡፡
ግድብ ህዳሰ ተመጣጣኒ ፍሰት ማይ ክህሉ ብምግባር ኣብ ሱዳንን ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራትን ዝበፅሕ መጠን ውሕጅን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣትን ንምንካይ ከምዝሓገዘ እውን ሓቢሩ፡፡
ኣብ እዋን ክራማት ካብ በረኽቲ ቦታታት ኢትዮጵያ ዝወቅዕ ዝናብ ኣብ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ልዑል ዕንወት ከስዕብ ዝኽእ ውሕጅ የጋጥም ከምዝነበረ ገሊፁ፡፡
ሚኒስቴር ሕርሻን መስኖን ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ፀገም መሰረተ ልምዓት ሓዊሱ ምኽንያት ዝበሎም ጉዳያት ብግልፂ ኣቐሚጡ ኢዩ፡፡
ነገር ግን ግብፂ ካብዚ ብተፃራሪ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ምስ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብምትሕሓዝ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምስሕሓት ናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክዘቕረበት ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂ ኣብ መግለፂኡ ኣመልኪቱ፡፡
ግብፂ ንጎረባብቲ ሃገራት ተሓላቒት ብምምሳል ዘውፀአቶ መግለፂ ናይ ሕሶት ውንጀላን ስም ምጥፋእን ሙሉእ ብሙሉእ ውድቂ ከምትገብር እቲ ሚኒስቴር ኣረጋጊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!