Fana: At a Speed of Life!

ኣስከሬን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ምፍናው ይግበረሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣስከሬን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ካብ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ኣብ ፒያሳ ናብ ዝርከብ (በኒ) መስጅድ ምፍናው ይግበረሉ ኣሎ።
ኣስከሬን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ኣብ ከባቢ ላንቻ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ን40 ዓመታት ብምምሃር ናብ ዘገልገሉሉ ኑር መስጅድ ኢዩ እናምረሐ ዝርከብ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው ኡለማታት፣ ደረሳታት፣ ኡስታዛትን ዘመድ ኣዝማድን ተረኺቦም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ኣብ መስጅድ ኑር ሰላተል ጀናዛ ምስተገበረሎም ኣብ ሚሊኒዬም ኣዳራሽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ የሥራምፍናው ክግበረሉ ኢዩ።
ቀትሪ ሰዓት 10 ድማ ስርዓተ ቀብሮም ከምዝፍፀም ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.