Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ሰብ ተኮር ኣጀንዳታት ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ እናሰርሐ ይርከብ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ መንግስቲ ሰብ ተኮር ኣጀንዳታት ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኣብ ከተማ ደሴ ዝተዓዘብናዮም ማእኸል ዕዳጋታት ፍርያታት ሕርሻን ኢንዱስትሪን ከምኡ እውን መሰንከቲ እንጀራ ዕለታዊ ፀገማት ህዝብና ንምፍታሕ እንገብሮ ፃዕሪ መርአያ ኢዮም ኢሎም።

ዋና ዕላማ እቲ ማእኸል ዕዳጋ ኣፍረይቲን ዓደግቲን ብምርኻብ ኣብ ማእኸል ዘሎ ዝተሓላለኸ መስመር ዕድጊት ብምሕፃር ብተመጣጣኒ ዋጋ ብምቕራብ ዕዳጋ ምርግጋእ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ማእኸል ፍርያታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ኣትክልቲን ፍረምረን ዕድጊት ውፅኢት እንስሳትን ክካየደሎም ኢዩ ኢሎም።

ጉዕዞ ብልፅግናና ኩሉ ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ብምግባር ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋገፀ ዘላቒ ልምዓት ብምርግጋፅ ብራኢ ዝምራሕ ኢዩ ክብሉ እውን ኣመልኪቶም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.