Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያን ተፀዋዒ ሕብረት ኣፍሪካን ኣሌክሲስ ላሜክ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያ 1897 ዝጀመረ ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮ-ፈረንሳይ ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

በዓል ብዙሕ ወገን ኣብ ዝኾነ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጂኦስትራተጂክ ምትሕብባር፣ መሰረተ ልምዓት፣ ልውውጥ ባህሊ ከምኡ እውን ልምዓት ትካላት እናተጠናኸረ ምምፅኡ ሓቢሮም።

ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ንፕሬዚዳንትፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን ብዘሎ ጥንኩር ምትሕብባር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልዑል ደረጃ ከመዝመበፅሐ እውን ተመልኪቶም።

ፈረንሳይ ኣብ ኣጀንዳ ሪፎርም ኢትዮጵያ፣ ሓለዋ ሓድጊ፣ ኢኒሼቲቫት ሰናይ ምምሕዳር፣ ከይዲ ዴሞክራታይዜሽን፣ ምምሕያሽ ቴክኖሎጂ፣ ህንፀት ትካላትን ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ምጥንኻርን እናደገፈት ትርከብ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ ገለፃ፤ ብኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ብዙሓት ዓወታት ተመዝጊቦም ኢሎም።

ኣብ መዳይ ፖለቲካ ኣመራርሓ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ሚኒስትርነት ሓዊሱ ኣብ ሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ተመዲቦም እናሰርሑ ከምዝርከቡ ሓበሮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.