ኣብ ክልል ኦሮሞ መበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሞ መበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ቡሌ ሆራ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱራህማን፣ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።
እቲ በዓል ባህሊ፣ ማንነትን ትውፊትን ህዝቢ እቲ ክልል ብዘርእይ መገዲ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።
ትማሊ እቲ በዓል ዝጠመተ ፓናል ዘተ ኣብ ዩንቨርስቲ ቡሌ ሆራ ምክያዱ ይዝከር።
መበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ “ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 25 ሕዳር 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክኽበር ኢዩ።
ብመራኦል ከድር