Fana: At a Speed of Life!

ካብ ተሽከርከርቲ ዝወፅእ ምልቃቕ በካሊ ጋዝ ንምቁፅፃር ኣገዳዲ መምርሒ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ክእቶ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ተሽከርከርቲ ዝወፅእ ምልቃቕ በካሊ ጋዝ ንምቁፅፃር ኣገዳዲ መምርሒ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ክእቶ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ሚኒስቴር ምስ ኢንስቲትዩት ደረጃታት ብመሰረት ዘውፀኦ ስታንዳርድ ተሽከርከርቲ ዝለቀኦ መጠን ጋዝ ብዝምልከት ገደብ ኣቐሚጡ።

እዚ ሕጊ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ ዝሓሩ እቶም ሚኒስትር፥ እዚ ድማ በካሊ ጋዝ ከምዝንኪ ሓቢሮም።

ብፍላይ ዝኣረጋ ተሽከርከርቲ ምልቃቕ ጋዝ ንኽንክያ ቴክኖሎጂ ክጥቀማ ከምዘለወን ብምሕባር፥ እዚ ዘይገብሩ እንተኾይኖም ከየሽከርክሩ ክእገዱ ኢዮም ኢሎም።

ያረጁ ተሽከርካሪዎቻቸውን ወደ ኤሌክትሪክ ወይም የተፈጥሮ ጋዝ መቀየር የሚችሉበት አማራጭ መኖሩንም አንስተዋል፡፡

ሰብ ዋና ተሽከርከርቲ እዚ ንኸስተኻኽሉ ዝተውሃቦም እፎይታ ብምዝዛሙ እቲ መምርሒ ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ እቶም ሚኒስትር ሓቢሮም፡፡

ብምዃኑ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ስጉምቲ ንኽውሰድ ብደብዳበ ኣፍሊጥና ኢሎም።

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.