Fana: At a Speed of Life!

‎ናብ ዋንጫ ኣፍሪካ ንምሕላፍ ናይ 90 ደቓይቕ ንሕንሕ ዝተረፎ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)‎ናብ ዋንጫ ኣፍሪካ ንምሕላፍ ናይ 90 ደቓይቕ ንሕንሕ ዝተረፎ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ሎሚ ምስ ኬኒያ ዝገብሮ ፀወታ ዝለዓለ ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ድሕሪ 22 ዓመት ናብ መድረኽ ኣፍሪካ ንምምላስ ሎሚ ሰዓት 6፡00 ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ምስ ኬኒያ ክፃወቱ ኢዮም።

ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ብዩጋንዳ ተሳዒሮም ናብ ፍፃመ ምሕላፍ ዘይከኣለ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ፥ ሎሚ ንኬኒያ እንተስዒሩ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተሳትፎ ዋንጫ ኣፍሪካ ከረጋግፅ ኢዩ።

‎ኣብ ዋንጫ ኣፍሪካ ምስታፎም ዘረጋገፁ ታኒዛኒያን ዩጋንዳን ሎሚ ሰዓት 9 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስታዲየም ኣበባ ቢቂላ ክጋጠሙ ኢዮም።

ክልቲኦም ፀወታታት ብ‎ቻናል ፋና+ን ማሕበራዊ ሚዲያ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ብቐጥታ ፈነወ ክተሓላለፉ ኢዮም።

ብሙባረክ ፋንታው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.