መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ሓበራዊ ያታ ንምስራፅ..
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ሓበራዊ ያታ ንምስራፅ እጃሙ ዕዙዝ ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈላለዩ ፍፃመታት እናተኸበረ ዝቐነየ መበል 20 በዓል መዓልቲ መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ተኻይዱ፡፡
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ተረባሕነት ህዝቢታት ዘረጋግፅ ትልሚታት ልምዓት መንግስቲ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያዊያ ብዝተሓባበረ ቅልፅምን ሓድትን ንምዕዋት ክስራሕ ኢዩ፡፡
በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ህዝቢታት መንነቶም ንኽኽበር፣ ንምኽባርን ምርግጋፅን ፍትሒ፣ ናፅነትን ስርዓት ዴሞክራሲን ብሓባር ጠንኪሮም ንኽሰርሑ ከምዘኽአለ ኣመልኪቶም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሕውነት ዝተመስረተ ሕብረብሄራዊ ሓድነት ንኽጠናከርን ህንፀት ባህሊ ዴሞክራሲን ንኽጉልብት መሰረት ዘንበረ ኢዩ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ብኣበበ ሸዋልኡል
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!