ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እተሰጉሞ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ናይዚ ክፍለ ዘበን ሓቂ ካብ ዘይምርዳእ ዝፍልፍል ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እተሰጉሞ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ን21 ክፍለ ዘበን ሓቂ ካብ ዘይምርዳእን ዝፍልፍል ተቐባልነት ዘይብሉን ኢዩ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝበሎ÷ ግብፂ ክልተኣዊ ድርድሩ ንጎኒ ብምባል ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እትፍንዎ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ተቐባልነት የብሉን፡፡
ብወገን መንግስሪ ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበሩ መፈራርሒታትን ፈኸራታታን ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ሓቂ ካብ ዘይምርዳእ ዝፍልፍሉ ኢዮም ክብል ኣገንዚቡ፡፡
ሰብ መዚ ግብፂ ኣብ ዘበን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ተተኺሎም ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ልዕልነት ኣለና ዝብል ዝተሰሓሓተ ሓሳብ ምስጓሞም ከምዝቐፀሉ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ፡፡
ካይሮ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘቕነዐ ከምኡ እውን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ከይረጋጋእ ምስ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ብምውዳድ እናርሐት ከምትርከብ ኣፅንኦት ሂቡ፡፡
ብወገን ግብፂ እናተገበረ ዝርከብ ምንቅስቓስ ኣርሒቕካ ካብ ዘይምሕሳብ ዝፈልፈለን ዝፈሸለን ሓሳብ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር÷ እዋን ዝሓለፎ ኣካይዳ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ምንም ዓይነት ለውጢ ከምዘየስዕብ ኣገንዚቡ፡፡
ብምንቅስቓስ ፀረ ባዕዳዊ ወረርቲ መሪሕ ዝኾነት ኢትዮጵያ፤ ግብፂ ምስ ሩባ ኣባይ ተተሓሒዙ ንእተሓስቦ ስምምዕነት ዘበን ባዕዳዊ መግዛእቲ ቦታ ከምዘይብላ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሉኣላዊ ግዝኣታ ዘሎ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምጥቃም ናይ ማንም ፍቓድ ምፅባይ ኣየድልያን ዘበለ እቲ መግለፂ÷ እዚ እንትትገብር ድማ ዓለም ለኸ ሕጊ ተግባራዊ ብምግባር ኢዩ ኢሉ፡፡
ግብፂ መምርሒ ድርድርን ሓበራዊ ተረባሕነትን ብምሕዳግ ግቡእ ብዘይኮነ ኣግባብ ያታ ንምፍጣር እትገብሮ ምንቅስቓስ ተቐባልነት የብሉን ክብል ኣፅንኦት ሂቡ፡፡
ኢትዮጵያ ንሓበራዊ ተረባሕነትን ምባለን ከምኡ እውን ንዞባዊ ዕቤት ብቖራፅነት ምስራሓ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣብሪሆም፡፡
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ዕቤትን ምትእስሳር ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ከምዝኾነ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ ኣመልኪቱ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!