Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ሓድነት ዘጠናኽሩ ያታታት ክሕንፅፁ ይግባእ – ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ብብሄራዊ ረብሓ ዘይደራደርን ዜጋ ንምፍጣርን ሓድነት ዘጠናኽሩ ያታታት ክሕንፅፁ ይግባእ ኢሎም ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡፡

ኣብ ልምዓት ኪነ ጥበብን ፈጠራ ኪነ ጥበብን ዝተሰናደአ መድረኽ ዘተ ኢንዱስትሪ ጥበባትን ፈጠራን ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብ ዘቕረቡዎ መዛተዪ ፅሑፍ÷ ባዕዲን ባንዳን ሓበራዊ ሸቶኦም ንኢትዮጵያ ምድኻም ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ዕላማ ፀላእቲ ኣብ ኣባይ፣ በሪ ባሕሪ፣ ኢኮኖሚያዊ ጥንካረና፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትናን ዓለም ለኻዊ ተሰማዕነትናን ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣበ ጂኦ ስትራቴጂያዊ ቁመናአን ካብ ዝተዓደላ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነትን እዚ ጂኦፖለቲካዊ ቁመና ንምለዋጥ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ቴክኖሎጂ፣ ኣካላዊን ያታን ተኻዱላ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዞም ኲናታታት ኢትዮጵያ ቀስ ብቐስ በሪ ባሕሪ ንኽትስእን ከምዝተገበረ ከምኡ እውን ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊን ድሕንነት ተቓላዕነታ ንኽሰፍሕን ብሄራዊ ዓቕማ ብምድኻምን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጥራሕ ንኽትሕመስ ፀላእታ ተጊሆም ከምዝሰርሑ ፀሪሖም።

ብምዃኑ ድማ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ብሄራዊ ረብሓ ዝሕልዉን ሓድነት ዘጠናኽሩን ያታታት ኣብ ምሕንፃፅ ትፅቢት ከምዝግበር ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዕላማ ፀላእቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ትኹረትኹመሃብ ዕዉት ተግባራት እናወገነ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.