ፌስቲቫል ስፖርት ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዩንቨርስቲ ጅማ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፌስቲቫል ስፖርት ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዩንቨርስቲ ጅማ ክካየድ ኢዩ።
እቲ ፌስቲቫል፥ “ስፖርት ብዙህነትን ኣፍልጦን ንምርምር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ክካየድ።
ኣብቲ ፌስቲቫል ብክልቲኦም ፆታታት ብ15ዓይነታት ስፖርት ውድድራት ክካየድ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ናይ ስታዲየም፣ መሐምበሲ ካእቢ ሕድሳት ሓዊሱ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምዝዛሙ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ ፌስቲቫል ገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ጀማል ኣባፊጣ፥ እቲ ስነ ስርዓት ካብ ስፖርታዊ ውድድር ብተወሳኺ ባህሊ ኣብ ምፍላጥን ሕድሕዳዊ ምትሕብባርን ንምጥንኻር ዕድል ከምዝፈጥር ኣብሪሆም።
ኣብቲ ፌስቲቫል 45 ዪንቨርስታት ከምዝሳተፋ ተዛሪቦም።
ነቲ ውድድር ባዕሉ ዝኸኣለ ድረገፅን ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽንን ከምዝተሰናደአ ገሊፆም።
ብወርቅኣፈራው ያለው