በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ንጄፒኤስ ቴሌቪዥን መጠንቀቕታ ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንጂሰስ ፕሮፌቲክ ስፕሪት ቸርች (ጄፒኤስ ቴሌቪዥን ጣቢያ) መጠንቀቕታ ሂቡ፡፡
እቲ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ዘመሓላልፉዎም ትሕዝቶታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ኣብ ሃገርና ናፅነት ሃይማኖትን እምነትን ብሕገ መንግስ ፌዴሪኢ ምርግጋፁ ይፍለጥ ኢሉ።
በዚ መሰረት ብኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ቁፂሪ 1238/13 መሰረት መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ምእመናኖም ኣብ ዘለዉሉ ኮይኖም ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣቢሎም ኣስተምህሮታቶም ንኽከታተሉ ካብቲ በዓል መዚ ፍቓድ ወሲዶም እናተንቀሳቐሱ ከምዝርከቡ ገሊፁ።
እቲ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ተግባራቶም ሕጊን ሙያዊ ስነ ምግባርን ብምኽባር እናተግበሩ ከምዝኾኑ ክትትልን ቁፅፅርን ብምግባር ክፍተታት ንኽእረሙ ግብረ መልሲ ይህብ፣ ከከም ዓይነት ጥፍኣት ድማ ግቡእ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣፍሊጡ።
ብምዃኑ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ጣቢያ ቴሌቪዥን ጄፒኤስ 13 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ዝፈነዎ ፕሮግራም ብመንፅር ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ 1238/13ን ኣግባብነት ዘለዎም ሕጊታትን ስራሕቲ ክትትል ኣካይዱ፡፡
እቲ ፕሮግራም ኣብ ሃገርና ንከባቢ ሰላሌ ግቡእ ብዘይኮነ መልክዑ ከምዝተገለፀ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ዝሓበረ እቲ በዓል መዚ፤ ብመሰረት እዚ ንጣቢያ ቴሌቪዥን ጄፒኤሰ ኣብ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተፀርሑ ድንጋገታት ሕጊ ስለዝጠሓሰ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎ ኣሎ ኢሉ።
ኣብ ቀፃሊ እውን ዝተፀርሑ ሕጊታት ጥሒሶም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝስድ ብምግላፅ፤ መሰረት መራኸብቲ ሓፋሽ ሃይማኖት ዘለዉዎም ሓላፍነታት ብምግንዛብ ብጥንቃቐን ብመንፈስ ሓላፍነትን ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።