Fana: At a Speed of Life!

መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡-

ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብኹሉ መዳይ ባህሊ ፈጠራ ስራሕ ብምስራፅ ቀፃሊ ዝኾነን ቅልጡፍን ዕቤት ጋህዲ ንምግባር ኢንተርፕረነርሽፕ ቁልፊ መሳርሒ ኢዩ።

ሎሚ ሪቒቕ ፖሊሲ ልምዓት ኢንተርፕረነርሽፕ ፌዴሪኢ ብዝምልከት ምስ ኣባላት ዲጂታል ካውንስል ብመርበብ ሓበሬታ ልዝብ ኣካይድና።

ፖሊሲ ልምዓት ኢንተርፕረነርሽፕ ብዋናነት ንኹሉ ዝሓቁፍን መካተቲን ጎስጓስ ሃገራዊ ኢንተርፕረነርሽፕን ብምልዕዓል ኣብ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዝጠዓዓም መልክዑ ዲጂታል ፈጠራ ስራሕን ተወዳዳራይነትን ዘበረታትዕን ዝድግፍን ኢዩ።

እቲ ማዕቐፍ ፖሊሲ ፀገም ዝፈትሕ ማሕበረሰብ ንምህናፅ፣ ባህሊ ፈጠራ ንምጉልባት፣ እታወት ንምውሳኽ ከምኡ እውን ምቹው ስነ ምህዳር ንምህናፅ ዘኽእል ማዕቐፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ስነ ምህዳር ኢንተርፕረነርሽፕን ውጥናት ፈጠራ ስራሕን ኣንፈት ብመሃብ ናይ ምምራሕ ቁልፊ ግደ ኣለዎ።

ብፍላይ እቲ ስነ ምህዳር ኢንተርፕረነርሽፕ ከመሓይሹ ዝሕእሉ ሓበራዊ ኣመለኻኽታታት፣ እምነታትን ባህሪታትን ነምድንፋዕ ኣዚዩ ዝሕገዝ ኢዩ።

እዚ ፖሊሲ ልምዓት ዝተዓለመሉ ውፅኢት ንኸምፅኡ ኣብ እዋን ትግበራ ፖሊሲ ዝረኣዩ ጥንኩራትን ድኹማትን ጎኒታት ብምፍላይ በቢብርኩ ጥንኩር ስርዓት ክትትል ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ምስቲ ዲጂታል ካውንስል ምርድዳእ ፈጢርና።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ልምዓት ኢንተርፕረነርሽፕ ዓሚቕ ልዝብ ብምግባርን እታወታት ብምውሳኽን እቲ ሰነድ ፖሊሲ ልምዓት ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ተላኢኹ ንኽፀድቕ ወሲኑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.