Fana: At a Speed of Life!

ተበፃሕነት ክትባት ብዝበለፀ ንምጥንኻር …

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩለመዳይ ተበፃነት ኣገልግሎት ክታበት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኩሉ ናይ ናዕሉ ግደ ክዋጣእ ይግባእ ኢሉ ሚኒስቴር ጥዕና፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ዴስክ ኣገልግሎት ክታበት ኣይተ መልካሙ ኣያሌው ከምዝበሉዎ÷ ክታበት ሕማም ናይ ምክልኻልን ምፅዋርን ዓቕሚ ብምዕባይ ጥዑይን ኣፋራዪ ዜጋ ንምፍጣር ዘኽእል ኢዩ፡፡

ሕማማት ኣብ ምክልኻልን ሓኪምካ ኣብ ምድሓን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕና ናይ ዜጋታት ጥዕና ብዝበለፀ ንምሕላው ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ኣገልግሎት ክታበት ንምስፋሕን ንምጥንኻር ዝተወገነ ስራሕ ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ውፅኢት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.