Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ኣባላትን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመራርሓን ኣባላትን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ(ኣፋሕድ)  ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ዑደት ኣሳሊጦም።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ(ኣፋሕድ)ን ክካየድ ዝፀንሐ ከይዲ ደርድር ተዛዚሙ ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕነት ሰላም ምኽታሙ ይዝከር።

ትማሊ ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ(ኣፋሕድ)ን ዝተገበረ ዘላቒ ስምምዕነት ሰላም ውፅኢታዊ ምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ።

ኣመራርሓን ኣባላትን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ(ኣፋሕድ)   ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉን ስራሕቲ ልምዓት ሎሚ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፣ ኣብታ ከተማ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ ፕሮጀክታት ወሰን ወሓዚ ሩባን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ዑደት ኣካይዶም።

ብፌቨን ቢሻው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.