ንተተካእቲ ፍርያት ዝተውሃቦ ትኹረት ብዙሕ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ንተተካእቲ ፍርያት ዝተውሃቦ ትኹረት ብዙሕ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ ኢሉ፡፡
እቲ ሚኒስቴር መድረኽ ኣፈፃፅማ ፈላማይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ እናተኻየደ ይርከብ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ኣብ በጀት ዓመት ተካእቲ ፍርያት ብምፍራይ 3 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ምድሓን ተኻኢሉ፡፡
ንተተካእቲ ፍርያት ዝተውሃቦ ትኹረት ዘርፈ ብዙሕ ውፅኢት የምፅእ ከምዘሎ ብምሕባር፤ መንግስቲ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍርያት ፅግዕተኛነት ንምንካይን ምህርቲ ውሽጢ ሃገር ንምዕባይን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።
በዙይ እውን ብዓቅሚ ውሽጢ ዓዲ ንምህናፅ 96 ፍርያታት ተፈልዮም ናይ ምትካእ ስራሕ እናሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም፡፡
ብኣረጋዊ ሓየሎም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!