Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንቫይረስ ማርበርግ ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂራቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ቫይረስ ማርበርግ ሙሉእ ብሙሉእ ምቁፃር ተኻኢሉ ኢሉ ሚኒስቴር ጥዕና።
ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ምላሽን ምሕደራን ህዝባዊ ጥዕናን ምቁፅፃር ሕማም ቫይረስ ማርበርግ ዝተመዝገበ ዓወታት ናይ ምብሳር መድረኽ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ሓዊሱ ርእሰ ምምሕዳር ክልላት፣ ሚኒስተር ጥዕና ዶ/ር መቕደስ ዳባን ዝምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም።
ኣብዚ እዋን እቲ ሚኒስቴር ዜጋታት ኣብ ምክልኻልን ሕውየትን ዝተመስረተ ኣገልግሎት ጥዕና ንኽረኽቡ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.